Fana: At a Speed of Life!

ናይ ለውጢ መንግስቲ ንሕቶ ዓርሰ ምሕደራ ህዝቢታት ምላሽ ሂቡ ኢዩ – ኣፈ-ጉባኤ ኣገኘሁ ተሸገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ለውጢ መንግስቲ ንሕቶ ዓርሰ ምሕደራ ህዝቢታት ምላሽ ሂቡ ኢዩ ክብሉ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሸገር ገሊፆም።

እቶም ኣፈ-ጉባኤ ኣብ 1ይ ዓመት በዓል ምስረታ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ተገኝተው ባስተላለፉት መልዕክት÷ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ሕቶ ዓርሰ ምምሕዳር ንዘልዐሉ ኣካላት ብዙሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ይበፅሖም ከምዝነበረ ተዛሪቦም፡፡

ናይ ለውጢ መንግስቲ ካብ ዘመሓላለፎም ታሪኻዊ ውሳነታት ሓደ፤ ኣብ ነበር ክልል ደቡብ ይነብሩ ንዝነበሩ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ሕቶ ዓርሰ ምምሕዳር ምላሽ ምሃብ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ብሓዱሽ መልክዑ ንኽምስረት ዝተገበረ ፃዕሪ ውፅኢታዊ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ክልል ዝጀመሮ ጉዕዞ ውፅኢታዊነት ቀፃነቱ ኣብ ምርግጋፅ ብትኹረት ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ምሃቦም ሓበሬታ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.