Fana: At a Speed of Life!

ናይ ሃውቲ ዓመፅቲ ኣብ መራኽብ ንግዲ ዝፍፅሙዎ መጥቃዕቲ ጠጠው ንኸብሉ ድሕንነት ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው ዝተጣየሸ ጥምረት ፀዊዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ሃውቲ ዓመፅቲ ኣብ መራኽብ ንግዲ ዝፍፅሙዎ መጥቃዕቲ ጠጠው ንኸብሉ ድሕንነት ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው ዝተጣየሸ ወታደራዊ ጥምረት ፀዊዑ።

ኣመፅቲ ሃውቲ ኣብ ኲናት እስራኤል – ሃማስ ንፍልስጤማውያን ሓገዞም ንምርኣይ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝንቀሳቐሳ ናይ ንግዲ መራኽብ መጥቃዕቲ እናፈፀሙ እንትኾኑ ነዚ ኣጠናኺሮም ክዝቕፅሉ ምግላፆም እውን ዝዝከር ኢዩ።

እዚ ናይ ዓመፅቲ መጥቃዕቲ ንምከልኻል ኣሜሪካ ትመርሖ ወታደራዊ ጥምረት ዝተጣየሸ እንትኸውን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብቲ ጥምረቱ ዝፅምበራ ሃገራት ቁፅረን ክብ እናበለ ይርከብ።

ኣቐባሊ ቃል ፔንታጎን ሜጀር ጄኔራል ፓት ራይደር፥ “እቶም ዓመፅቲ መናሃሪያ ኢኮኖሚ ሃገራት ዓለም ኣብ ዝኾነ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ተግባር ሽፍትነት እናፈፀሙ ይርከቡ” ኢሉ፡፡

እቲ ወታደራዊ ጥምረት ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ባሕሪ ኤደንን እናሓለወ ከምዝርከብ ዝሓበሩ እቶም ኣቐባሊ ቃል፥ እቲ ጥምረት ሃውቲ ንዝፍፅሞ መጥቃዕቲ ምላሽ ንመሃብ ድሉው ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ሰሜናዊ የመን ዝርከቡ ዓመፅቲ ሃውቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሳ መርከባት ዝፍፅሙዎ መጥቃዕቲ ጠጠው ንኸብሉ ፃውዒት ምቕራቦም ዓረብ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.