Fana: At a Speed of Life!

ናይ ሁቲ ዓመፅቲ ኣብ ልዕሊ መርከብ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝፈፀሙ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ የመን ዝንቀሳቐሱ ዓመፅቲ ሁቲ ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ብዝፈፀሙዎ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እናተጓዓዘት ኣብ ልዕሊ ዝነበረት መርከብ ጉድኣት ከምዘብፅሑ ተገሊፁ።

እቲ መጥቃዕቲ ምንቅስቓስ ሁቲ ዝፃፀርን ንዝፍፀሙ መጥቃዕቲታት ምላሽ እናሃበ ዝፀንሐ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ ነቲ ከባቢ ምልቃቑ ስዒቡ ዝተፈፀመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

በቲ መጥቃዕቲ ናብ ዕዳጋታት እስያ፣ ማእኸላይ ምብራወቕን ኣውሮፓን ኣብ ዝወስድ ወሳኒ መስመር ንግዲ ኣቑሑት ዝፀዓነት ሰንደቕ ዕላማ ላይቤሪያ እናውለብለበት ዝነበረት መርከብ ጉድኣት በፂሑዋ ከምዝተርኣየት ተገሊፁ።

ፁእኸል ኦፕሬሽን ንግዲ ባሕሪ እንግሊዝ÷ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እቶም ዓመፅቲ ኣብ ትርከብ ናይ ወደብ ከተማ ሆዴይዳ ሎሚ ረፋድ ከምዝተፈፀመ ምግላፁ ቢቢሲ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.