Fana: At a Speed of Life!

ናብ ፓሪስ ንዘምርሕ ልኡኽ ኢትዮጵያ ድሕሪ ፅባሕ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ዕላዊ ምፍናው ክግበረሉ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ንምስታፍ ናብታ ሃገር ንዘምርሕ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ድሕሪ ፅባሕ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ዕላዊ ምፍናው ክግበረሉ ኢዩ።

ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምፍናው፥ ፕሬዚዳንት ሳህለ ወረቅ ዘውዴ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ከመዝርከቡ ኣብ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብቲ እዋን፥ መልእኽቲታት መግለፂ ሰናይ ትምኒትን ርኽክብ ሰንደቕ ዓላማን ክካየድ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.