Fana: At a Speed of Life!

ናብ ወፍሪ ህልውና ካብ ዝተሓወሱ መምህራን ዩንቨርስቲ ኣንደበት

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ረዳት ፕሮፌሰርነቱ ንምፅዳቕ መዓልታት ዝፅበ ዝነበረ መምህር  ኢንፎርሜሽን ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ሲሳይ እባብየን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደብረብርሃን  መምህር ኬሚካል ኢንጂነሪንግ  ኢንጂነር መንግሥት ካሳውን ናብ ወፍሪ ሀልውና ብምሕዋስ ኣብ ግንባር ተሰሊፎም ኣለዉ።

ክልቲኦም መምህራን ዩንቨርስቲ ሰርሖምን ቤተሰቦምን ብምሕዳግ ንሓደ ዕላማ ምስ መከላከያ ሰራዊት ብምስላፍ ኣብ ግንባር ምስ ፀላኢ ይኳሽሑ ኣለዉ።

5 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ለይቲ ዝተውሃበ ግዳጅ ብምፍፃም ኣብ ልዕሊ ጁንታ ልዑል ክሳራ ብምብፃሕ ምስ ኣመራርሓ ክፍላተ ሰራዊት ናይ ሻንበል መዓርግ ዝተሸለመ መምህር ሲሳይ፥ ኣነ አወን ምስ ጅግና ውዒለ ጅግና ተባሂለ ኣለኹ ኢሉ።

ምስ መዓርገይ ዝተሸለምክዎ ተዓፃፊ ክላሽንኮቭ ብምሓዝ ካብ ሎጂስቲክስ ክሳብ ግንባር ግዴታይ ይዋፃእ ኣለኹ እውን ኢሉ።

መምህር ሲሳይ፥ ሃገር ንምፍራስን ህዝቢ ንምጉዳእን ክወረና ዝመፅአ ፀላኢ ንምፍላም ቢሮን ጠበንጃን ሒዙ ከምዝተልዓለ ተዛሪቡ።

እቲ ጁንታ ዝፈፀሞ በደል ብምቅዋም ኣብ ግንባር ንምስላፍ ሰብ ምዃን ጥራሕ ኢዩ ዘድሊ ክብል ገሊፁ ክብል ኢፕድ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.