Fana: At a Speed of Life!

ናብ ክልል ትግራይ ዝወስዱ ኩሎም ኮሪደራት ንቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክፍቲ ተገይሮም – ኮሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ክልል ትግራይ ዝወስዱ ኩሎም ኮሪደራት ንቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክፍቲ ከምዝተገበሩ ኮሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።

ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ብኣየርን ብምድሪን ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርቡ ከምዝኽእሉ እውን ገሊፁ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣምሳደር ሽፈራው ተክለማርያም ነባራዊ ኩነታት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ንዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ኣቕረብቲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ናብ ክልል ትግራይ ዝወስዱ ኩሎም ኮሪደራት ንቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክፍቲ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ነዚ ስዒቡ ድማ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ብኣየርን ብምድሪን ሐገዝ ከቕርቡ ከምዝኽእሉ ገሊፆም፡፡

ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌዴሪኢን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ÷ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርቡ ትካላት ትራንስፖርት ኣየርን ምድሪን ክፍቲ ከምዝተገበረ እቶም ኮሚሽነር ኣብሪሆም፡፡

ብመሰረት እዚ ብክልል ዓፋር ካብ ኣብዓላ መቐለ፤ ብሑመራ ኣቢሉ ሸራሮ፣ ሽረ፣ ኣኽሱም፣ ዓድዋ፤ ብጎንደርን ዓዲ ኣርቃይ ማይ ፀብሪ ሽረ ከምኡ እውን መስመራት ወልዲያ ኣላማጣ ኩሎም መስመራት ንሰብኣዊ ሓገዝ ክፍቲ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ብክልል ዓፋር ካብ ኣብዓላ መቐለ ኣገልግሎት ፈተነ ዝተውሃበ እንትኸውን÷ ብወገን ሑመራ ሸራሮ፣ ሽረ፣ ኣኽሱም ዓድዋ ኣቢለን ካብ ሞንጎ ዝኣተዋ 16 መኻይን ሰለስተ ኣቑሑት ሕክምና ሒዘን ከምዝኣተዋ ኣመልኪቶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.