Fana: At a Speed of Life!

ናብ ኣፋን ኦሮሞ እናተተርጎመ ኣብ ዝርከብ ፖሊሲ ቋንቋት ልዝብ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ኣፋን ኦሮሞ እናተተርጎመ ኣብ ዝርከብ ፖሊሲ ቋንቋት ትማሊ ኣብ ማእኸል ባህሊ ኦሮሞ ልዝብ ተኻይዱ።

ካብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ብተወሳኺ 5 ቋንቋታት ውሽጢ ሃገር ናይ ስራሕ ቋንቋ መንግስቲ ፌዴራል ኮይኖም ንኸገልግሉ ናብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ቀሪቡ ምፅዳቑ ይዝከር፡፡

ብመሰረት እዚ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ተሰናዲኡ ዝነበረ ፖሊሲ ቋንቋታት ኢትዮጵያ ናብ ኣምሓርኛ ተተርጒሙኣብ ስራሕ ውዒሉ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 5 ቋንቋታት ውሽጢ ሃገር ናይ ስራሕ ቋንቋ መንግስቲ ፌዴራል ንኽኾኑ ምውሳኑ ስዒቡ እቲ ፖሊሲ ናብ ኣፋን ኦሮሞ ምትርጓ ኣድላዪ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ተሓቢሩ፡፡

ስራሕቲ ትርጉም እቲ ፖሊሲ ንምጅማር ኢንስቲትዩት መፅናዕቲን ምርምርን ኦሮሚያ ምስ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ብምትሕብባር ሙሁራን ቋንቋ ዘሳተፈ ልዝብ ኣብ ማእኸል ባህሊ ኦሮሞ ተኻይዱ፡፡

እቲ ፖሊሲ ቋንቋ ብጥንቃቐ ናብ ኣፋን ኦሮሞ ንምትርጓም ተሳትፎ ሙሁራን ቋንቋ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ክልል ኦሮሚያ ብርሃኑ ቡጠየ ገሊፆም፡፡

እቶም ሙሁራን ካብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ዝተውፃእፅኡ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ብደጀኑ ጎንፋ

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.