Fana: At a Speed of Life!

ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ መገደኛታት ን14 መዓልቲ ናብ ፈሊኻ መፅንሒ ቦታ ምእታው ግቡእ ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣትዉ ኩሎም መገደኛታት ተግባራዊ ዝኸውን ን14 መዓልቲ ናብ ፈሊኻ መፅንሒ ቦታ ምእታው ግቡእ ሎሚ መዓልቲ ከምዝጅመር ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር፥ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ መገደኛታት ኣብ ሆቴላት ስካይ ላይትን ጊዮንን ን14 መዓልቲታት ተፈሊዮም ክፀንሑ ኢዮም ኢሉ።

ኣብ ፃንሒቶም ሙሉእ ወፃኢኦም ባዕሎም ከምዝሽፍኑ ተገሊፁ።

ዲፕሎማሰኛታት ድማ ኣብ ኤምባሲኦም ተፈሊዮም ከምዝፀንሑ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

ተጓዓዝቲ ትራንዚት እውን ቀፃሊ ጉዕዞኦም ክሳብ ዝበፅሕ ኣብ ሆቴል ስካይላይት ተፈሊዮም ክፀንሑ ኢዮም ተባሂሉ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ 30 ሃገራት ዝገብ በረራ ንግዚኡ ከምዘቋርፅ ምግላፁ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.