Fana: At a Speed of Life!

ናብ ትግራይ ዝኣትዋን ካብ ትግራይ ዝወፅኣን ኣውሮፕላናት ፈለማ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ክዓርፋ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዝኣትዋን ናብ ትግራይ ዝኣትዋን ካብ ትግራይ ናብ ወፃኢ ይኹን ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝግበሩ ኩሎም በረራታት ፈለማ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ክዓርፋ ከምዝግባእ እዋናዊ መፃረዪ ኩነታት ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ውሳነ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ምስ ገበረ ዓለም ለኸ ሰብኣዊ ድጋፍ ምስ ዝህቡ ኣካላት ብምትሕብባር ንምስራሕ ድሌት ከምዘለዎ ዳግም ኣፍሊጡ፡፡

ሲቪል ኣቪየሽን ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክልል በረራ ኣየር ይዕፀዎ እምበር፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርቡ ዝደሊዩ ኣካላት ኩሎም በረራ ክገብሩን ሓገዝ ከብፅሑን ከምዝኽእሉ ምግላፁ እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ዝተወሰኑ ፀብፃባት መንግስቲ ኢትዮጵያ በረራ ከምዝኸልከለ ኣምሲሎም እናወፅኡ ንማሕበረሰብ ዓለም እናሰሓሓቱ ከምዝርከቡ ብምግላፅ እቶም ፀብፃባት ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ዓይነት በረራታት ከምዘይከልከለን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብኽልተ ኣውሮፕላናት ናብ ትግራይ በረራ ንምግባር ሕቶ ከምዘቕረበን ኣፍሊጡ፡፡

ሰብኣዊ ሓገዛት ሒዞም ናብ ትግራይ ኣብ ዝግበሩ በረራታት ኣድላዪ ተፍትሽ ከምዝግበር እውን ተገሊፁ፡፡

ኩነታት በረራ ንምቅልጣፍ ናብቲ ክልል በረራ ክገብሩ ዝደልዩ ኣካላት ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ዝምልከቶም ኣካላትን ፍቓድ ክረክብ ከምዝግበኦ ምግላፁ ካብ መርበብ ሓበሬታ መፃረዪ እዋናዊ ኩነታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.