ናብ ትግራይ ንዝጅመር ትራንስፖርት ምድሪ ዘገልግሉ 6 ድልድላት ተፀጊኖም ንኣገልግሎት ድልዋት ኮይኖም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ትግራይ ንዝጅመር ትራንስፖርት ምድሪ ዘገልግሉ ቅድመ ሐዚ ጉድኣት ኣጋጢሙዎም ዝነበሩ ሽዱሽተ ድልድላት ተፀጊኖም ንኣገልግሎት ድልዋት ከምዝኾኑ ምምሕዳር መገዲታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ምምሕዳር ዳይሬክተር ስራሕቲ ድልድልን ስትራክቸርን ኢንጂነር ጌትነት ዘለቀ፥ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝነበረ ጎንፂ ጉድኣት ኣጋጢሙዎም ዝነበረ ድልድላት ብምፅጋን ኣገልግሎት ንምጅማር ዘኽአል ስራሕ ከምዝተገበረ ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ ኣብ ሩባ ተከዘ ዝርከቡ ክልተ ድልድላት፣ ኣልውሃ፣ ጪሬቲ፣ ፅላረን ጎቡን ዝርከቡ ድልድላት ኣድላዪ ህንፀት ብምግባር ንትራፊክ ክፍቲ ከምዝተገበሩ እቶም ዳይሬክተር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።
እቶም ድልድላት ፅገና ብምግባር ናብ ስራሕ ንምእታው ልዕሊ 173 ነጥቢ 17 ሚሊየን ብር ከምዝተገበረ እቶም ዳይሬክተር ሓቢሮም።
ብኹሉ ኣንፈት ናብ ተግራይ ዝወስዱ ኣስፋልት መገዲታት ንኣገልግሎት ትራንስፖርት ምድሪ ደልዋት ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
ብመላኩ ገድፍ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።