Fana: At a Speed of Life!

ናብ ቤት ትምህርቲ ንመለስ ዝብል ወፍሪ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ቤት ትምህርቲ ንመለስ ዝብል ወፍሪ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ከምዝካየድ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር፥ ካብ ቤት ትምህርቲ ዝተረፉ ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም ኣብ ዝምለሱሉ ኩነታት ኣድሂቦም ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓታት መንግስቲ ብመርበብ ሓበሬታ ዘተ ኣካይዱ፡፡

ኣብቲ ዘተ ድማ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን፣ ሚኒስቴር ሕርሻ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ክልላት ፓርቲ ብልፅግናን ሓለፍቲ ቢሮ ትምህርቲ ክልላትን ተሳቲፎም።

ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ድሕሪ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣቢያተ ትምህርቲ ዳግም ናብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝኣተዋ ይኹና እምበር፥ ተምሃሮ ትፅቢት ብዝግበረሎም ዘኣክል ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዘይተረኸቡ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ጌታሁን መኩሪያ፥ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ “ናብ ቤት ትምህርቲ ንመለስ” ዝብል ወፍሪ ከምዝጅመርን ኩለን ሴክተር ቤት ዕዮታት ኣብቲ ወፍሪ ከምዝሳተፋን ገሊፆም።

እቲ ወፍሪ ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ መዓልቲታት ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ካብ ቤት ትምህርቲ ዝተረፉ ተምሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ንኽምለሱ ንምግባር ዝዓለመ ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም።

ኣብ እዋን እቲ ወፍሪ ገዘ ንገዛ ብምዛር ኣብ ገገዝኦም ዝተረፉ ተምሃሮ ካብ ሰኑይ ጀሚሮም ናብ ትምህርቶም ንኽምለሱ ንምግባር ክስራሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ምስገባ እንተይገበሩ ዝፀንሑ ተምሃሮ ክሳብ 23 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ምዝገባ ብምግባር ናብ ቤት ትምህርቲ ንኽለሱ ከምዝግበር እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.