Fana: At a Speed of Life!

ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ሄትሮው እንግሊዝ እናበረራ ዝነበራ ኣውሮፕላናት ኣንፈት ንኽቕይራ ተገዲደን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ለንደን ኣብ ጥቓ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ሄትሮው ብዝተለዓለ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ምኽንያት እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተዓፀወ ተሓቢሩ፡፡

እቲ መዕርፎ ነፈረቲ ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ልዑል ምቁርራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዘጋጠሞ ተገሊፁ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሄትሮው ንምዕራፍ እናበረራ ዝነበራ ልዕሊ 120 ኣውሮፕላናት ኣንፈተን ብምቕያር ንኽምለሳ ከምዝተገደዳ ተሓቢሩ፡፡

መዕርፎ ነፈረቲ ሄትሮው ኣብ ዓለም ብዙሓት መገደኛታት ካብ ሞንጎ ዘተኣናግዱ መዕርፎ ነፈርቲ ሓደ ብምዃኑ ኣብ መገደኛታት ልዑል ምትእጉጓል ከምዘስዐበ ተገሊፁ፡፡

ድሕንነት ተሳፈርቲን ሰራሕተኛታትን ንምሕላው ብዝብል ከምዝተዓፀወ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ምግላፁ ሲኤንኤን ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.