Fana: At a Speed of Life!

ናብ ሓዱሽ ኣወዳድባ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝግበር ስግግር ግልፅነት ዘረጋገፀ ክኸውን ይግባእ – ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ሓዱሽ ኣወዳድባ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝግበር ስግግር ግልፅነት ዘረጋገፀን መሰል ሰራሕተኛታቱ ኣብ ግምት ዘእተወን ክኸውን ከምዝግባእ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣተሓሳሲቦም።

ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው፥ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ እናተኻየደ ዝርከብ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት እናተኻፈሉ ይርከቡ።

ኣብቲ ጉባኤ ምምሕያሽ ኣወዳድባ ሕብረት ኣፍሪካ ዝበፅሐሉ ብርኪ ኣድሂቡ ዝተዳለወ ፀብፃብ ብዝምልከት ቤት ምኽሪ ፈፃሚት እቲ ሕብረት ዘተ ኣካይዱ።

በቲ ዝቐረበ ፀብፃብ ድማ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኣባል ሃገራት ርኢቶኦም ሂቦም ኢዮም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ፥ ምምሕያሽ ኣወዳድባ እቲ ሕብረት ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ብዝተቐመጠሉ ኣንፈት ሽቱኡ ንኽወቅዕ ግልፅነት ዝዓሰሎን መሰል ሰራሕተኛታቱ ኣብ ግምት ዘእተወን ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ብተወሳኺ ኣወዳድባ ሓይሊ ሰብ ናይቲ ሕብረት ክእለትን ሓላፍነትን ኣብ ግምት ዘእተወ፣ ከምኡ እውን ልምዲን ብቕዓትን ማእኸል ዝገበረ ክኸውን ከምዘለዎ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.