Fana: At a Speed of Life!

ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ዜጋታት ምዝገባ ንኽገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሊባኖስ ብዝተወለዐ ቅልውላው ምኽንያት ኢትዮጵያውያን ጉድኣት ከይበፅሖም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ንምግባር ምዝገባ ንኽገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

ቤት ፅሕፈት ቆንስል ጄነራል ኢትዮጵያ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ኣብ ሊባኖስ ብዘጋጠመ ኲናት ምኽንያት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ ዜጋታት ካብ ሊባኖስ ክወፅሉ ዝኽእሉ መገዲ እናመቻቸወ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ብመሰረት እዚ ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ዝደልዩን ክሳብ ሕዚ ዘይተመዝገቡን ወገናት ኣድላዪ ሓበሬታ ብምስንዳእ ንኽምዝገቡ ፀዊዑ፡፡

ንምዝገባ ኣድለይቲ ዝኾኑ ሓበሬታታት÷ ሙሉእ ሽም ምስ ኣቦሓጎ (ኣብ ፓስፓርት ከምዝተፅሓፈ)፣ ቁፅሪ ፓስፖርት፣ ኣብ ሊባኖስ ዝነበሮም እዋን ፃንሒት፣ ቁፅሪ ስልኪ ሊባኖስ ከምዝኾኑ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ፡፡

ንምዝገባ ዝተሰናድኡ ቁፅ ስልኪታት ድማ÷ 03-29-89-78፣ 76-03-08-23፣ 81-99-46-34፣ 70-29-80-91፣ 81-80-25-18፣ 70-84-25-24 ን 81-09-27-46 ከምዝኾኑ ሓበሬታ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣመልኪቱ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.