Fana: At a Speed of Life!

ናብ ሃገር ንዘኣተዉ ዳስፖራታት ዕላዊ መርሃ ግብሪ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ሃገር ንዘኣተዉ ኢትዮጵያውያን፣ ተወውልደ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ዳስፖራታት ዕላዊ መርሃ ግብሪ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም ኣብ ኣደባባይ ወዳጅነት ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን፣ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ ብመደረ ብዕሊ ዘጀመሩ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ዘይተኣተዉ ኢድ ኣእታውነታት ኣጥቢቑ እናኾነነ ምፅንሑ ብምዝኽኻር፤ ፓን ኣፍሪካኒዝምን መላእ ፀለምቲ ህዝቢታትን ዘነቓቐሐ ምንቅስቓስ ከምዝገበረ ገሊፆም፡፡

ወራሪ ሓይሊ ንኢትዮጵያ ንምውራድ ብዙሓት መነወርቲ ተግባራት ፈፂሙ ኢዩ ዝበሉ ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ እቲ ቃልሲ ጋና ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

“ኣብ ትሕቲ እቲ ወራሪ ሓይሊ ዝፀንሐ ህዝቢ ናይና ሓገዝ ይደሊ ኢዩ” ኢሎም።

“ዲፕሎማሲያዊ ዕጥቂታት ዓጢቕኩም ከምትምለሱ ነኣምን ኢና” ብምባል ፃንሒቶም ዕዉት ንኽኸውን ተመኒዮም፡፡

ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ብግደአን፥ ናብ ሃገሮም ንዝመፅኡ ኢዳያስፖራታት መልእኽቲ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም ኣመሓላሊፈን፡፡

ዳያስፖራ ማሕበረሰብ ኢድ ኣእታውነት ምዕራባውያን ብምቅዋም የኣክል ክብሉ ድምፂ ተቓውሙኡ ምስምዑ ብምግላፅ ናእደአን ገሊፀን፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብዝገበሩዎ ፃውዒት፥ ዳያስፖራ ናብ ሃገሮም ምምፀኦም ፍሉይ ታሪኽ ከምዝኾነ እውን እተን ከንቲባ ኣብሪሀን፡፡

ኣብታ ከተማ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ን14 መዓልቲታት ዝፀንሕ ባዛር ከምዝተኸፈተ ዝገለፃ እተን ከንቲባ፥ ብፍርያት ኢትዮጵያ ንኽኾርዑን ሃገሮም ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ንኸገልግሉን ፃውዒት ኣቕሪበን፡፡

ምክትል ሓላፊ ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ዶክተር መሓመድ እድሪስ፥ “ኣብ ኢትዮጵያ ተሳትፎ ዳያስፖራ ጭቡጥን ዝድህሰስን ግደ ንኽህልዎ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና” ኢሎም፡፡

ብመሰረት ኣወቀን ቆንጂት ዘውዴን

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.