Fana: At a Speed of Life!

ናሳ ቀረባ ብዝኾነ ርሕቐት መንኮራኹር ንምሕላፍ ፃዕሪ ይገብር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጣቢያ ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ (ናሳ) ፓርከር ሶላር ፕሮብ ንፀሓይ ቀረባ ብዝኾነ ርሕቐት መንኮራኹር ንምሕላፍ ፃዕሪ እናገበረ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ካብ መሬት ብ6 ነጥቢ 2 ሚሊየን ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ትርከብ መንኮራኽር ንፀሓይ ብቐረባ ርሕቐት ንምሕላፍ ፃዕሪ እናገበረ እንትኸውን፤ እቲ ፈተነ ክሳብ ሕዚ ካብ ዝተገበሩ ፈተነታት እቲ ናይ ሕዚ ንፀሓይ ዝቐረበ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እታ መንኮራኹር ብጎኒ ፀሓይ ኣብ ትሓልፈሉ እዋን ምስ ምስ መሬት ምንም ርክብ ኣይህን ዝበሉ ሓላፊ ሳይንስ ናሳ ኒኮላ ፎክስ (ዶ/ር)፤ እቲ ልኡኽቶ ብሰላም ከምዝተዛዘዘመ ንምፍላጥ ከም ክሳብ ድሮ በዓል ልደት ፈረንጂ ምፅባይ የድሊ ኢሎም።

እቲ ልኡኽቶ ካብ ፀሓይ ርሒቑ ዝርከብን ብሚሊየን ዲግሪ ዝቑፀር ምዉቕ ዝኾነ ኮሮና ካብ ዝተብሃለ ክፋል ወሰንቲ ሓበሬታታት ንምእካብ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ብዛዕባ ንፋስ ፀሓይንን ካብ ፀሓይ ናብ መሬት ዝልቀቑ ቅንጥብጣባትን መፅናዕቲ ናይ ምግባር ዕላማ ከምዘለዎ ምግላፁ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.