Fana: At a Speed of Life!

ነቲ ዝተዛብዐ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምምዕርራይ ዘኽእል ትልሚ ሰለስተ ዓመት ተዳልዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ነቲ ዝተዛብዐ ሃገራዊ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምምዕርራይ ዘኽእል ትልሚ ሰለስተ ዓመት ከምዝተዳለወ ሚኒስቴር ትልምን ልምዓትን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ትልምን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ንጣብያና ከምዝገለፅኦ፥ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ስእነት ስራሕ፤ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ይኸውን ዘሎ ናህሪ ዕዳጋን ምግዳድ ናብራን፤ ብሓፈሻ ኢትዮጵያ እትርከበሉ ምዝባዕ ማክሮ ኢኮኖሚ ሐዚ እውን ከምዘሎ እዩ።

ዓውዲ ኢኮኖሚ ክሳገሮም ዘይከኣለ ብርክት ዝበሉ ፀገማት ከምዘለዉ ብምልዓል፤ ነዚ ንምምዕርራይ ድማ ነባራዊ ኩነታት እዛ ሃገር ኣብ ግምት ዘእተወ ዝርዝር ትልሚ ከምዘድለየ ሚኒስቴር ትልምን ልምዓትን ካብ ናይ ዓሰርተ ዓመት መምርሒ ልምዓት ትልሚ ዝተበገሰን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዘድሃበ ትልሚ ሰለስተ ዓመት ከምዘዳለወ ዶክተር ፍፁም ኣፍሊጠን።

ኣብ በጀት ዓመት 2015 ኣብ ተግባር ዝውዕል እቲ ትልሚ፤ ፅሬት ዘለዎ ዕብየት ኢኮኖሚ ንምምዝጋብ ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅ ዋና ትኹረት ዝገበረ እዩ።

እቲ ኲናት ዝፈጠሮ ምዝባዕ ማክሮ ኢኮኖሚ ምቕፃሉ ኣይተርፍን ዝበላ ዶክተር ፍፁም፥ ሓቃዊ ፅዕንቶኡ እውን ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ብዝግባእ ከምዝርአ ትፅቢት ይግበር ኢለን።

እቲ ትልሚ መሊስካ ምጥያሽን ምህናፅን፤ ንክልል ትግራይ እውን ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ዝገለፃ ዶክተር ፍፁም፥ እቲ ትልሚ ቅድሚ ምጅማር እቲ ኲናት ልዑል ግምት ዝተውሃቦም ዘፈራት ኢኮኖሚ ንምንቕቓሕ ተሓሲቡ እዩ እውን ኢለን።

ሕርሻ፣ ቱሪዝም፣ ዕደና፣ ኣፍራይቲ ኢንዱስትሪታትን ንዘፈር ኣገልግሎት እቲ ኲናት እንተዘይፍጠር ክዕወቱ ነይሮም ተባሂሉ ትፅቢት ካብ ዝግበረሎም ውፅኢት ዋላኳ ልዑል እንተኾነ ከምዘይተዓወቱ ብምግላፅ፥ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ነቲ ውፅኢት ንምክሕሓስ ዘኽእል ትልሚ ክመዝተዳለወ ሓቢረን።

ብባሃሩ ይድነቃቸው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.