Fana: At a Speed of Life!

ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያ ዳንኤል ኣራፕ ሞይ ካብዚ ዓለም ተፈሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያ ዳንኤል ኣራፕ ሞይ ኣብ 95 ዕድሚኦም ካብዚ ዓለም ተፈሊዮም።

ሕልፈት ዳንኤል ኣራፕ ሞይ ድማ፥ ፕሬዚዳንት ኬኒያ ኡሁሩ ኬኒያታ ኣብ ቴሌቪዥን ጣቢያ እታ ሃገር ቀሪቦም ዕላዊ ገይሮም።

ኣብ 95 ዓመቶም ዝዓረፉ ዳንኤል ኣራፕ ሞይ፥ ድሕሪ ናፅነት ኬኒያ ካብ ጆሞ ኬኒያታ ቀፂሎም ስልጣን ዝተረከቡ ካልኣይ ፕዚዳንት እታ ሃገር ብምዃን ን24 ዝኣኽሉ ዓመታት ከምዝመርሑ ይዝከር።

ዳንኤል ኣራፕ ሞይ፥ ኣብ ኬኒያ ውልለቀ መላኺ ከምዝነበሩን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈፀሙን ይንገረሎም።

ዓቢዪ ናይ ኣፍካ ፖለቲካ ሰብ ምስኣን ከምዘሕዘኖም ዝገለፁ ፕሬዚዳንት ኡሁሩ ኬኒያታ፥ ዳንኤል ኣራፕ መይ ኣብ ሆስፒታል ናይሮቢ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተዛሪቦም።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.