Fana: At a Speed of Life!

ነበር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዳግም ፈተነ ቅትለት ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዳግም ፈተነ ቅትለት ተገይሩሎም።

ዶናልድ ትራምፕ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ጋንተኦም ጎልፍ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኢዩ እቲ ፈተነ ቅትለት ተገይሩሎም ተባሂሉ።

ኣባላት ሴክሬት ሰርቪስ ቤት ፅሕፈት ድሕንነት ኣሜሪካ፥ ኤኬ47 ዝተብሃለ ኣፅዋር ኲናት ዝተዓጠቐ ውልቀ ሰብ ፈተነ ቅትለት ንምግባር እንትንቀሳቐስ ብምርኣዮም ተዂሲ ከምዝኸፈትሉ ተሓቢሩ።

ብተግባር ፈተነ ቅትለት ዝተጠርጠረ ውልቀ ሰብ ብመኪና ንምምላጥ ዓሊሙ 61 ኪሎ ሜትር ምስ ኣሽከርከረ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.