Fana: At a Speed of Life!

ነበር ፕሬዚዳንት ቡርኪናፋሶ ኮምፓኦሬ ማእሰርቲ ዕድመ ይፍታሕ ተፈሪዱዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቅትለት ቶማስ ሳንካራ ዝተኸሰሱን ንኣዋርሕ ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ እናተረኣየ ዝፀንሐን ነበር ፕሬዚዳንት ቡርኪናፋሶ ብሌዝ ኮምፓኦሬ ማእሰርቲ ዕድመ ይፍታሕ ተፈሪዱዎም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 15 ጥቅምቲ 1987 ዝተቐተለ ቶማስ ሳንካራ ቅትለቱ ንምፅራይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከይዲ ፍርዲ ዝወሰደ ቤት ፍርዲ ኦጋድጉ ብሃንቀውታ ትፅቢት እናተገበረሉ ዝነበረ ውሳነ ፍርዲ ኣመሓላሊፉ፡፡

ብ ቅትለት ሳንካራ ጥፍኣተኛ ዝተብሃሉ ነበር ፕሬዚዳንት ቡርኪናፋሶ ብሌዝ ኮምፓኦሬን ሓገዝቶም ጊልበርት ዳይንዴርን ካፋንዶ ሃይሲንቴ ብዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ንኽቕፅዑ ቤት ፍርዲ ኦጋድጉ ወሲኑ፡፡

መራሒ ፓን ኣፍሪካኒዝም ዝኾነ ቶማስ ሳንካራ ምስ 21 ሰባት ብዝበፅሖ መጥቃዕቲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1987 ከምዝተቐተለ ፀብፃባት ኣልጀዚራን ሲጂቲኤንን የመላኽቱ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.