Fana: At a Speed of Life!

ነበር ዕጡቓት መሊስካ ንምጥያሽ መዳርግቲ ኣካላት ናይ ባዕሎም ግደ ንኽፃወቱ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ዕጡቓት መሊስካ ንምጥያሽ ኣብ ዝውገኑ ስራሕቲ መዳርግቲ ኣካላት ናይ ባዕሎም ግደ ንኽፃወቱ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ሓቲቱ።

ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ምስ ኣመራርሓ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ተዛቲየን፡፡

ኣብቲ ዘተ ድማ÷ መንግስቲን ህዝቢን ዝደልዩዎ ሰላምን ምርግጋእን ንምምፃእ እቲ ጉዳይ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ብጥምረት ምስራሕ ከምዝግባእ ተላዒሉ፡፡

ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ 371 ሺሕን 971 ዝኾኑ ነበር ዕጡቓት፣ ጉዱኣት ኣካልን ደቂ ኣንስትዮን ብመሓዝ ናብ ስራሕ ንምእታው ፕሮጀክት ሓንፂፁ እናተንቀሳቐሰ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ተመስገን ጥላሁን ከምዝበሉዎ÷ ክንድዚ ዘኣክል ቁፅሪ ሓይሊ ሰብ ዕጥቂ ብምፍታሕ፣ እኹል ስልጠና ስነ-ልቦና ሂብካ፣ ዳግመ ህንፀትን መሊስካ ናብ ህዝቢ ናይ ምፅምባርን ስራሕ ምስራሕ ቁፅሪ መፍረዪ ሓይሊ ክብ ዘብል ኢዩ፡፡

ኣብ ውሽጢ ሃገር ሰላም ንምዕሳል ናይ ባዕሉ ዓብዪ ግደ ከምዝፃወት እውን ኣብሪሆም፡፡

እቲ ስራሕ ብዕዉት ኩነታት ንምስላጥ ምስ ሚኒስቴር ምክልኻልን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ንቑሕ ተሳትፎን ኣስተዋፅኦን ትፅቢት ይግበር፡፡

ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ብግደአን÷ ሚኒስቴር ምክልኻል ብትኹረት ካብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ሓደ መሊስካ ምጥያሽ ሓደ ከምዝኾነ ምግላፀን ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.