Fana: At a Speed of Life!

ነበር ኮኾብ ተፃዋታይ ማንችስተር ዩናይትድ ሉዊስ ናኒ ናብ ኢትዮጵያ ክመፅእ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ኮኾብ ተፃዋታይ ማንችስተር ዩናይትድን ብሄራዊ ጋንታ ፖርቺጋልን ሉዊስ ናኒ ኣብ መበል 80 ዓመት ምስረታ ጋንታ ስፖርት መቻል ብኽብሪ ጋሻ ንምርካብ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመፅእ ቦርድ እቲ ጋንታ ኣፍሊጡ።

ናኒ ዘጣየሾ ኣካዳሚ ስፖርት ምስ መቻል ስምምዕነት ምትሕብባር ከመዝኽትም እውን ተገሊፁ።

ቦርድ ጋንታ ስፖርት መቻል ምድላው መበል 80 ዓመት ምስረታ ጋንትኡ ጠሚቱ ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቡ።

ኣብቲ መግለፂ ነበር ኮኾብ ተፃዋታይ ማንችስተር ዩናይትድን ብሄራዊ ጋንታ ፖርቺጋልን ሉዊስ ናኒ ኣብ መበል 80 ዓመት ምስረታ ጋንታ ስፖርት መቻል ብኽብሪ ጋሻ ንምርካብ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመፅእ ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.