Fana: At a Speed of Life!

ነበር ተዋጋእቲ ዕጥቂ ክፈትሑ ኣብ ምግባር ከይዲ መራኸብቲ ሓፋሽ ሃናፂ ግደ ክፃወቱ ይግባእ – ኣምባሳደር ተሾመ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ተዋጋእቲ ዕጥቂ ክፈትሑ ንምግባርን መሊስካ ንምጥያሽን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መራኸብቲ ሓፋሽ ሃናፂ ግደ ክፃወቱ ከምዝግባእ ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ፃውዒት ኣቐውሪቦም።

ነበር ተዋጋእቲ ዕጥቂ ክፈትሑ ኣብ ምግባር፣ ምውዳብን መሊስካ ምጥያሽን ግደመራኸብቲ ሓፋሽ ዝምልከት ዘተ ይካየድ ኣሎ።

ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ተኩኹሲ ጠተው ንምባል ነበር ተዋጋእቲ ዕጥቂ ክፈትሑ ምግባር ቅድሚት ትኹረት ዝተውሃቦ ጉዳይ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ነበር ተዋጋእቲ እቲ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ዕጠርቆም ፈቲሖም ስሩዕ ህይወቶም ክመርሑ ብምግባር ኣብ ሰላም፣ ልምዓትን ዶሜክራሲን ሃገር ኣበርክቶ ክህልዎም ንምግባር ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ገሊፆም።

ስራሕቲ መሊስካ ምጥያሽ ነበር ተዋጋእቲ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ዝነበረ መሊስካ ምጥያሽን ናይ ካልኦት ሃገራትን ልምዲ ከምዝተወሰደ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ሸውዓተ ክልላት ዝርከቡ ልዕሊ 371 ሺሕ ነበር ተዋጋእቲ ዕጥቂ ክፈትሑ ብምግባር ኣብ ከይዲ መሊስካ ምጥያሽ መራኸብቲ ሓፋሽ ሃናፂ ግደ ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.