ነበር ተዋጋእቲ ዕጥቂ ብምፍታሕ ናብ ማእኸላት ናይ ምእታው ከይዲ ፅባሕ ክጅመር ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ተዋጋእቲ ብዘላቕነት ንምጥያሽ ዕጥቂ ንምፍታሕን ናብ ማእኸላት ተሃድሶን ናይ ምእታው ስራሕ ፅባሕ ከምዝጅመር ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኣፍሊጡ፡፡
ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ተመስገን ጥላሁን ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ እቲ ትካል ዝተውሃቦ ሃገራዊ ልኡኽቶን ንምዕዋት ዘኽእልን ዓለም ለኸ ደረጃኡ ዝሓለወ ፕሮግራምን ፕሮጀክትን ከምዝተሓንፀፀ ተዛሪቦም፡፡
ብመሰረት እዚ ድማ ካብ ሸውዓተ ክልላት ልዕሊ 371 ሺሕ ነበር ተዋጋእቲ ዕጥቂ ብምፍታሕ ናብ ማእኸላት ንምእታው ናይ ምድላይ ስራሕቲ ከምዝተዛዘመ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ኣብ ዝውገን ነበር ዕጡቓት ዕጥቂ ናይ ምፍታሕን ናብ ማሕበረሰብ ምፅምባርን ስራሕ ልዕሊ 760 ሚሊየን ዶላር በጀት ከምዝተትሓዘ እውን ኣብሪሆም፡፡
“ካብ ፅባሕ 12 ሕዳር 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ኣብ ትግራይ 75 ሺሕ ነበር ተዋጋእቲ መሊስካ ናይ ምጥያሽ ስራሕ ብዕሊ ክጅመር ኢዩ” ኢሎም፡፡
ብመላኩ ገድፍ