Fana: At a Speed of Life!

ነበር ቀ/ሚ ሃይለማርያምን በዓልቲ ገዝኦም ወይዘሮ ሮማንን ፋውንዴሽን ኣጣይሾም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝን በዓልቲ ገዝኦም ወይዘሮ ሮማን ተስፋየን ፋውንዴሽን ኣጣይሾም።

“ፋውንዴሽን ሃይለማርያምን ሮማንን” ብዝብል ሽም ዝተጣየሸ ፋውንዴሽን እንትኸውን፥ ካብ ኤጀንሲ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ሰርተፊኬት ረኺቡ።

ኣይተ ሃይለማርያም ዝነበረ ኣሳሪ ሕጊ ተላዒሉ ተረባሒ ብምዃኖምን ኣብ ሓፂር እዋን ግልጋሎት ብምርካቦምን ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ምምዕባል ጥዕናን ስነ-ምግቢን ኣዴታትን ህፃናትን፣ ኣብ ምስፍሕፋሕ ብለውጢ ኣየር ዝይብዳህ ሓለዋ ከባቢ ኣየርን ኢኮ ቱሪዝምን ከምኡ እውን ኣብ ምዕባይ ተረባሕነት መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ንምስራሕ ስትራቴጂክ ትልሚ ከምዝሓንፀፀ ድማ ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኣይተ ጂማ ዲልቦ ብግደኦም፥ ነባር ኣዋጅ ብብዙሕ መልክዑ ዓጋቲ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ኣብቲ ናይ ሕዚ ኣዋጅ ብዙሓት መመሓየሺታት ስለዝተገበሩሉ በቢእዋኑ ሓደሽቲ ትካላት እናተጣየሹ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.