Fana: At a Speed of Life!

ነበርቲ ዞባ ወላይታ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሰልፊ ድጋፍ የካይዱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነበርቲ ዞባ ወላይታ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ይህቡዎ ዘለዉ ናይ ለውጢ ኣመራርሓን ዕዉት ውፅኢትን ሰልፊ ድጋፍ የካይዱ ኣለዉ።

ኣብቲ ሰልፊ ካብ ዞባ ወላይታ ኩለን ወረዳታትን ከተማ ሶዶን ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ተሳተፍቲ ኮይኖም፡፡

ቀንዲ ዕላማ እቲ ሰልፊ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅኡሉ እዋን ጀሚሮም ብዘሃቡዎ ጥንኩር ኣመራርሓ ኣብ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ከምኡ እውን ኣብ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ንዘመዝገቡዎ ዓወት ምስጋና ንምቕራብን ኣብ ቀፃሊ እውን ህዝቢ ኣብ ጎኖም ከምዝኾነ ንምግላፅ ኢዩ።

ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ዘዘተዓናቕፉ ናይ ውሽጢን ወፃኢን ሓይሊታት ንኹንን፣ መደናገርቲ ዛዕባታት ብምፍሻል ዝተጀመረ ለውጢ ክንቅፅሎ ኢና ናይ ለውጢ ጉዕዞና ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ዝብሉ ጭርሖታት ኣብቲ ሰልፊ ተሰሚዖም።

ብጉልበትን ብሓይሊን ስልጣን ንምርካብን ለውጢ ንምቅልባስ ዝሰርሑ ኣካላት እውን ኮኒኖም።

ብኢየሩሳሌማ ደምሴን ኢብራሂም ባዲን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.