Fana: At a Speed of Life!

ነበርቲ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ኣብ ጎኒ ምክልኻል ደው ከምዝብሉ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣  5 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበርቲ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ኣብ ጎኒ ምክልኻል ደው ከምዝብሉ ኣፍሊጦም።

እቶም ነበርቲ እኩይ ተግባር ናይ ጁንታ ህወሓት ጉጅለ ብምቅዋምን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘለዎም ደገፍ ንምርኣይን ኣብ ሃረማያ ከተማ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ሰልፈኛታት ሓድነት ሃገር ንምሕላው ናይ ህይወት መስዋእትነት ዝኸፍል ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ድጋፎም በዝተፈላለየ መለክዑ ንመግላፅን ኣብ ጎኑ ደው ንምባልን ዘለዎም መድላው ኣፍሊጦም።

እቲ ጁንታ ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዘበፅሖ ዘሎ እኩይ ተግባር ናይ ሽብርተኝነት ተግባሩ ዘርእይ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ዕድምኦም ንኲናት ዘይበፅሑ ህፃናት ብሓሽሽ እናናወፀ ንኵናት ዘዋፍሮ ተግባር ኣጥቢቖም ከምዘውግዙን ከምዝቃወሙን ገሊፆም።

ብተወሳኺ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ናይቲ ጁንታ ተግባር ንከውግዝን ኣብ ቤት ፍርዲ ዓለም ለኸ ንክሓትት ኣተሓሳሲቦም።

ብተሾመ ኃይሉ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.