Fana: At a Speed of Life!

ነበርቲ ክልል ዓፋር ዝኾነ ይኹን ውልቀ መሳሪያ ብምሓዝ ንክወፍሩ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ነበርቲ ክልል ዓፋር ዝኾነ ይኹን ውልቀ መሳሪያን ዕጥቅን ከምኡውን ተመሳሰልቲ እታዎታት ብምሓዝ ኣብ ጎኒ ፍሉይ ሓይሊን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ንክስለፉን ህዝቢ ካብ ዘንፀላለዎ ሓደጋ ንክከላኸሉን መነግስቲ እቲ ክልል ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣወል ኣርባ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ህዝቢ እቲ ክልል ኢትዮጵያ ንምክፍፋልን ንምብታንን ዝንቀሳቐስ ወራሪ ጉጅለ ምዕጋት ኣለዎም ኢሎም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ከልል ዓፋር ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንምእታው እንተፈተነ እውን ከቢድ መቕፃዕቲ ብምቕፃዕ እቲ ወራሪ ካብ ዝሓዞም ከባቢታት ተባሪሩ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ጉጅለ ብወረራ ሒዙዎም ኣብ ዝነበሩ ከባቢታት መሰረተ ልምዓታት ብምዕናው፣ ደቂ ኣኒስቲዮ ብምድፋር፣ ንፁሃን ብግፍዒ ብምጭፍጫፍ ግፍዒ ከምዝፈፀመ ኣብ መግለፂኦም ምዝኽኻሮም ኢፕድ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.