Fana: At a Speed of Life!

ነበርቲ ክልል ሃረሪ፣ ዞባ ስልጤን ከተማ ጂግጂጋን ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ነበርቲ ክልል ሃረሪ፣ ዞባ ስልጤን ከተማ ጂግጂጋን ሃገራዊ ለውጢን ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ናይ ድጋፍ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ክልል ሃረሪ ኣብ ዝተኻየደ ስልፊ ድጋፍ፥ “ሰዓራይ ሓሳብ ክነሰጉም ኢና፣ ፅንፍነት ኣምሪርና ክንቃለስ ኢና፣ ብልፅግና ናይ ኩሎም ፀገማት ቁልፊ መፍትሒ ኢዩ፣ ምስ ብልፅግና ዕዉታት ከምንኸውን ኣይንጠራጠርን” ዝብሉ ጭርሖታት ብመሓዝ ድጋፎም ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ሰልፊ ካብ ከተማን ገፀርን ከተማን እቲ ክልል ዝተውፃእፅኡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ተሳቲፎም።

ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጂግጂጋ እውን ተመሳሳሊ ሰልፊ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ኣብቲ ሰልፊ ድጋፍ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ስልጤ ከተማ ወራቤ እውን ሃገራዊ ለውጢ ብምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ እናተኻየደ ከምዝኾነ ካብ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ምንግስቲ ክልል ደቡብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቶም ሰልፊታት “ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ተመሪሑ ዝተጀመረ ሃገራዊ ለውጢ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ናይ ባዕልና ግደ ክንዋፃእ ኢና፣ ህንፀተር ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ዘተዓናቕፉ ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ሓይሊታት ንኹንን” ዝብሉ ጭርሖታት ኣስሚዖም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.