Fana: At a Speed of Life!

ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ዝካየድ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ብንቕሓት ንኽሳተፉ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ዝካየድ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ብዕቱብ ብምውፃእ ሓምለዋይ ኣሰር ንኸንብሩ ፃውዒት ቀሪቡ።

ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ÷ “ፍቱዋት ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝውገን ተኸላ ፈልሲ ብምስታፍ ተደማሪን ተወሳኺን ዓወት ብሓባር ነመዝግብ” ኢለን፡፡

“ብዕቱብ ወፂእና ንትከል፤ ንዝመፅእ ወለዶ ኣሰርና ነንብር” ክብላ እውን ፀዊዐን፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.