Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ደገፍ ክታበት ኮቪድ 19 ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣  4 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቻይና ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ንኻልኦት ሃገራት እትገብሮ ደገፍ ክታበት ኮቪድ 19 ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ገሊፃ።

ፕሬዚዳንት ቻይና ዢ  ጂንፒንግ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ምትሕብባር ኮቪድ 19 ኣብ ዝበርዎ መደረ፥ እቲ ለበደ ሕጂ እውን ይስፋሕፈሕ ከም ዘሎ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ቻይና ንዓበይቲ ሀገራት እትገብሮ ደገፍ ክታበት ኮቪድ 19 ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ገሊፆም።

እታ ሃገር ኣብዚ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም 2 ቢሊየን መጠን ክተበት ኮቪድ 19 ተበፃሒ ንምግባር ከምእትሰርሕ ተዛሪቦም።

ብተወሰኾ ንትካል ኮቪድ 19 (COVAX)  100 ሚሊየን ዶላር ንምሃብ ፃዕሪ ከምእትገብር ሓቢሮም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.