Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ክታበት ኮቪድ-19 ንኢትዮጵያ ንመሃብ ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚነስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና የውጭ ዋንግ ዪ ሃገሮም ንኢትዮጵያ ክታበት ኮቪድ19 ብሓገዝ ንመሃብ ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ጉዳይ ኣድሂቦም ድማ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒሰስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ብስልኪ ተዛቲዮም፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ቻይና ንኢትዮጵያ ትገብሮ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ሓገዝ ናእደኦም ገሊፆም፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ንሃገሮም ኣድላይት ሃገር ከምዝኾነት ኣፍሊም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት መሓዛ ቻይና ከምዝኾነት ኢዮም ገሊፆም ዘለዉ፡፡

ኢትዮጵያ ኮቢድ ንምክልኻል ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ሃገሮም ቻይና ዝኸኣለቶ ሓገዝ ከምትገብር እውን ኣገንዚቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.