Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ጂኦ ሳይንስ ቻይና-ኣፍሪካ ክትከፍት ከምትደሊ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጂኦሎጂካል ኢትዮጵያ ኣይተ ኢጃራ ተስፋዬ ምስ ፕሬዚዳንት ጂኦሎጂካል ሰርቬይ ቻይና ሊ ጂንፋ (ዶ/ር) ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ኣብ ዓውዲ ጂኦሎጂካል ሰርቬይ ብምትሕብባር ምስራሐ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ጠሚቶም ተመያይጦም፡፡

ኢንስቲትዩት ጂኦሎጂካል ኢትዮጵያን ጂኦሎጂካል ሰርቬይ ቻይናን ዝፀንሐ ርክብ ከምዘለወንን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ብምትሕብባር ከምዝወገኑ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ጂኦ ሳይንስ፣ ኣብ ጂኦሎጅ ማፕን ጂኦ ኬሚካል ማፕን ከምኡ እውን ኣብ ኣለሻ መዓድንን ህንፀት ዓቕሚን ብሓባር ንምስራሕ ድሉው ከምዝኾኑ ምግላፁ ካብቲ ኢንስቲትዩት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ጂኦሎጂካል ሰርቬይ ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ጂኦ ሳይንስ ቻይና-ኣፍሪካ ንምኽፋት ድሌት ከምዘለዎን ምስቲ ኢንስቲትዩት ብሓባር ክትሰርሕ ከምትደሊ ኣፍሊጡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.