Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ሰናይ ምምሕዳርን ንምርግጋፅ አትገብሮ ዘላ ደገፍ ዝነኣድ ኢዩ-ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ሰናይ ምምሕዳርን ንምርግጋፅ አትገብሮ ዘላ ደገፍ ዝነኣድ ኢዩ ክብሉ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብ ዝሃብዎ ሰሙናዊ መግለፂ፥ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሹ ቢንግ መስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምዝታዮም ሓቢሮም።

ኣይተ ደመቀ፥ ድርድር ግድብ ህዳሰ ናብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ንምውሳድ ዝተገበረ ፈተነ ኣብ ምፍሻል፣ ዓለም ለኻዊ ፅዕንቶታት ኣብ ምምካትን ወፍሪ ኮቪድ 19ን ቻይና ንዝገበረቶ ደገፍ አመስጊኖም ኢሎም።

ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ሰናይ ምምሕዳርን ንምርግጋፅ አትገብሮ ዘላ ደገፍ ንኢዶም።

ሃገራት ኣፍሪካ ንሰላምን ልምዓትን እንተዝተሓባበራ ቻይና ድልየት ከምዘለዋን እተን ሃገራት ብመሰረተ ልምዓት ንምትእስሳር ባህጊ ከምዘለዋን ነዚ ደልውቲ ከምዝኾነትን ተዛሪቦም።

መበል ካልኣይ መድረኽ ፖለቲካዊ ዘተ ኢትዮጵያ-ቻይና- ኣፍሪካ ከምዝተሳለጠ ብምዝኽኻር፥ ኣብቲ መድረኽ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምጥንኻር ኣብ ዘኽእል ዛዕባ ምልዛበን ሓቢሮም።

ብወንድወሰን ኣረጋኸኝ

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.