Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ን50 ዓመታት ዝዘለቐ ሽርክነኣ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ን50 ዓመታት ዝዘለቐ ሽርክነኣ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣኦ ዢዩአን ገሊፆም።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣኦ ዢዩአን ተዛቲዮም።

እቶም መራሕቲ ኣብ መንጎ ከልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ዘሎ ዝተጠናኸረ ርክብን ኢኮኖ ሚያዊ ጉዳያትን ተላዚቦም።

አምባሳደር ዣኦ ዢዩአን፥ ኢትዮጵያን ቻይናን 50 ዓመታት ዝፀንሐ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ዝቖመ ሕውነት ከምዘለወን ኣዘኻኺሮም።

ኣፈ-ጉባኤ አቶ ታገሰ ጫፎ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ካብ ቻይና ብዓውዲ ኢኮኖሚ ልዑል ትምህርቲ ከምእትረክብ ገሊፆም።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ዝተወሰደ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ብዝምልከት እቲ ጉዳይ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

እቶም ኣምባሳደር ሃገሮም ኣብ ጉዳይ ውሽጢ ካልኦት ሃገራት ጣልቃ ከምዘይትኣቱ ብምግላፅ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ውፅኢታዊ ኮይኑ ከምዝተዛዘመ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ኢትዮጵያ ኣብ አትገበሮ ኩለ መዳይ ምንቅስቓስ ቻይና መሻርኽቲ ከምዝኾነት ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.