Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ንኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴክኒክን ሙያን እትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ንኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴክኒክን ሙያን እትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቼን ሃይ ገሊፆም።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪያት ካሚል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ምስ ኣምባሳደር ቼን ሃይ ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዘቲና ኢለን።

ብመሰረት እዚ ኣብ ምዕባለን ልምዓትን ቻይና ዓውዲ ቴክኒክን ሙያን ልዑል ግደ ከምዝነበሮን ኢትዮጵያ እውን ነቲ ዓውዲ ጠመተ ብምሃብ ትሰርሕ ከምዘላ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ምግላፁ ሓቢረን።

ቻይና ንኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴክኒክን ሙያን እትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ቼን ሃይ ምርግጋፆም ገሊፀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.