Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ንኢትዮጵያ ናይ 400 ሚሊየን ዩዋን ደገፍ ገንዘብ ንምግባር ቃል ኣቲያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ንዝዋፈሩ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት መፈፀሚ ዝውዕል ንኢትዮጵያ ናይ 400 ሚሊየን ዩዋን ደገፍ ገንዘብ ንምግባር ቃል ምእታዋ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ጉባኤ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ኢትዮ-ቻይና ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኢትዮጵያን ቻይናን ብኩነታት ዘይልወጥ ስትራቴጂክ ርክብ ከምዘለዎም ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ሺ ዥንፒንግን ኣብ ዝነበሮም ዘተ ኩለ መዳይ ርክብ እተን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝተስማዕምዑ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ፅዕንቶታት ብምፅዋርን ናይ ፖሊሲ ነፃነታ ብምጥቃም ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ምግባራ ብፕሬዚዳንት ሺ ዥንፒንግ ልዑል ናእዳ ከምዝተውሃቦ ተዛሪቦም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኢትዮጵያ ዘመዝገበቶ ምዕባለ ኢኮኖሚ ምንኣዶምን ኣብ ቻይና ዘለዉ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስት ንክገብሩ እወንታዊ ድፍኢት ከምዝገብሩ ምግላፆም ኣይተ ኣሕመድ ኣብሪሆም።

ሽግሽግ ዕዳ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብቲ ዘተ ምግላፁ ብምሕባር፥ ብመሰረት ሓበራዊ ማዕቐፍ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ኢትዮጵያ ዝተማልአ ሽግሽግ ልቓሕ ነክግበረላ ስምምዕ ከምዝተገበረ ኣገንዚቦም።

ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝዋፈሩ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት መፈፀሚ ዝውዕል ናይ 400 ሚሊየን ዩዋን ደገፍ ገንዘብ ንምግባር ስምምዕነት ምግባሮም ገሊፆም።

ብሓፈሻ እቲ ዘተ ኣዝዩ ዕዉትን ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ዘኽእል ከምኡውን ብቴክኖሎጂ፣ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ማኑፋክቼሪንግን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሉ ስምምዕነታት ምግባሮም ኣረዲኦም።

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.