Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ንቅልውላው ዩክሬን መፍትሒ ንምምፃእ ከምእትሰርሕ ኣረጋጊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብምዃን ንቅልውላው ዩክሬን መፍትሒ ንምምፃእ ፃዕሪ ከምእትገብር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን፥ ዩክሬን ኣብ 2022 ዓ.ም.ፈ ናብ ሩሲያ ካብ ዝተኻለሉ ክልላት ወተሃደራታ ምስ ኣውፀአትን ናብ ኔቶ ናይ ምፅንባር ትልማ እንተገዲፋን ተኹሲ ደው ብምባል ድርድር ምጅማር ከምዝከኣል ምዝራቦም ይዝከር።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዘቐመጥዎ ቅድመ ኩነት ርእይቶ ንምሃብ ብመሰረት ዝቐረበ ሕቶ፥ ቻይና ኩሉ ግዘ ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ጭቡጥን ፍትሓዊን ቅዋም ከምዘለዋ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ቻይና ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝርርብ ሰላም ብቑርፀኝነት ንክግበር  ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብምዃን ክትሰርሕ ኢያ ኢሉ።

ብመሰረት እዚ ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምምፃእ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ከምእትገበር ምግላፃ ስፑትኒክ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.