ቻይና ንሓበራዊ ረብሓ ምስ ኢትዮጵያ ብቐረባ ንምስራሕ ድልውቲ ኢያ-ዋና ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ኣብ ቻይና
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ንሓበራዊ ረብሓ ምስ ኢትዮጵያ ብቐረባ ንምስራሕ ድልውቲ ኢያ ክብሉ ዋና ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ኣብ ቻይና ው ፔንግ ተዛሪቦም።
በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተፈራ ደርበው ደብዳቤ ሹመቶም ናብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ኣቕሪቦም።
እቶም ኣምባሳደር ምስ ው ፔንግ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ዘሎ ክልቲኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ባህጊ ኣለዎ ኢሎም።
ው ፔንግ በግደኦም፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ቂን ጋንግ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት ዘለዎ ረብሓ ኣብሪሆም።
ንሓበራዊ ረብሓ እተን ሃገራት ምስ እቶም ኣምባሳደር ብቕርበት ከምዝሰርሑ እውን ተዛሪቦም።
ቻይና ንሓበራዊ ረብሓ ምስ ኢትዮጵያ ብቐረባ ንምስራሕ ድልውቲ ኢያ ድማ ኢሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።