Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ብዓለም ለኸ ዓውዲ ህንፀት መርከብ መሪሕነታ ኣረጋጊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ብዓለም ለኸ ዓውዲ ህንፀት መርከብ ንመበል 14 ዓመታት መሪሕነታ ከምዝቐፀለት ገሊፃ።

ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብመፍረያይነት፣ ሓደሽቲን ኣቐዲሞም ኣብ ዝተውሃቡን ትእዛዛት ጥንኩር ዕቤት እናርአየት ምምፃኣ ኣመስኪራ ኣላ ተባሂሉ፡፡

በዞም ሰለስተ ቀንዲ ቀንዲ ኣመላኸትቲ እውን ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ህንፀት መርከብ ን14 ተኸታተልቲ ዓመታት መሪሕነት ምሓዛ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን እታ ሃገር ዘውፀኦ ሓበሬታ የመላኽት።

ቻይና ብሰለስቲኦም ኣመላኸትቲ ኩለመዳይ ዕቤት ብምምዝጋብ ኣብ ዓለም ብሕታዊት ሃገር ከምዝኾነት እውን ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ህንፀት መርከብ ፍርያት ቻይና 42 ነጥቢ 32 ሚሊየን ቶን ከምዝበፅሐን ካብ ዓመት ናብ ዓመት ድማ ብ11 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ወሰኽ እናርአየ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እዚ ድማ ሃብ ሓፈሻዊ ዕቤት ፍርያት ዓለም 50 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ብፅሒት ከምዘለዎ ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.