Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ምትሕብባር ሰላምን ድሕንነትን ቻይናን ኣፍሪካን ንክጠናኸር ፃውዒት ኣቕሪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ምትሕብባር ሰላምን ድሕንነትን ቻይናን ኣፍሪካን ንክጠናኸር ፃውዒት ኣቕሪባ።

ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ቻይና ዌይ ፌንጌ ኣብ መድረኽ ፎረም ሚኒስቴራት ቻይናን ኣፍሪካን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ፅሑፋዊ መልእኽቲ ፕሬዚዳንት ሺ ጂንፒንግ፥ ሓበራዊ ማሕበረሰብ ቻይናን ኣፍሪካ ምህናፅ ልዑል ረብሓ ኣለዎ ኢሎም።

ስለዝኾነ ነዚ ዕውት ንምግባር ዘለዎም ፅኑዕ እምነት ኣፍሉጦም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መልእኽቶም፥ ቻይናን ኣፍሪካ ዘጣየሽኡ ፅኑዕ ስትራቴጂካዊ ርክብ ምቕፃል ከምዘለወን ተዛሪቦም።

ነዚ ድማ ብምትሕብብር ቴክኖሎጂ፣ መሳርሒ፣ ሓበራዊ ልምምዳት ሓይሊ ባሕሪን ስልጠናን ከምኡውን ሙያዊ ተመክሮ ብምስፋሕ ክኸውን ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ካብኡ ሓሊፉ፥ ቻይና ምትሕብባር ሰላምን ድሕንነትን ቻይናን ኣፍሪካን ንክጠናኸር ፃውዒት ምቕራባ ክብል ሽንዋ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.