Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕበባር ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊን ዓለም ለኻዊን መድረኻት ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፃ፡፡

ኣቐባሊ ቃል ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ፋን ዮንግ÷ ኣብ ፖሊሲ ርክባት ወፃኢ ቻይና፣ እዋናዊ ስርዓት ዓለም ኣብ ርክብ ኢትዮ-ቻይን ጠሚቶም መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም÷ ክቲአን ሃገራት ኣብ ሓለዋ ከባቢን ዘላቒ ሸቶታት ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ወሳኒ ግደ ከምዝፃታ ገሊፆም፡፡

ብቕልጡፍ እናተለዋወጠ ኣብ ዝርከብ ጂኦፖለቲካ ዓለም፤ ቻይና ኣምር ሰላምን ምርግጋእን ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣብሪሆም፡፡

ቻይና ናይ ርክባት ወፃኢ ፖሊሲኣ ሰላምን ምዕባለን ጥቡቕ ምትእስሳር ኣለዎም ኢላ ከምትኣምን ዝገለፁ እቶም ኣቐባሊ ቃል÷ ቻይና ኣብ ውሽጢ ምዕባለ ዓለም ዘለዋ ግደ ኣጠናኺራ ንምቕፃልን ዓለም ብቁጠባዊ ሃፍቲ ንምትእስሳር ከም ቤልት ኤንድ ሮድ ዝበሉ ማዕቐፋት ከምዝዘርገሐት ኣልዒሎም።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቻይና ዝተኻየደን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተኻፈሉሉን ጉባኤ ቤልት ኤንድ ሮድ ናይዚ ዓለም ለኻዊ ዕቤት ሓሳብ መርኣያ ከምዝኾነ እውን ኣንዚቦም፡፡

ቻይና÷ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ኣብ ምክብባር ዝተመስረተ ክኾን ይግባእ ኢላ ከምትኣምን እውን እቶም ኣቐባሊ ቃል ገሊፆም፡፡

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.