Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ለውጢ ንብረት ኣየርን ብኽለት ከባቢን ንምፅዋር ዘለዋ ቆራፅነት ዝነኣድ ኢዩ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ለውጢ ንብረት ኣየርን ብኽለት ከባቢን ንምፅዋር ዘለዋ ቆራፅነት ዝነኣድ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

ቻይና “ኢነርጂ፣ ንብረት ኣየርን ከባቢን” ብዝል መሪሕ ቃል ኣብ ምንካይ ልቀት ካርበን ዘድሃበ ታዩኣን ኢነርጂ ትሑት ልምዓት ካርቦን ፎረም 2021 ኣካይዳ።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብቲ ፎረም ብቪዲዮ ኮንፈረንስ ተሳቲፈን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ ኢዮጵያ ዓውዲ ኢነርጂ ዘላቒ ብዝኾነ ሓለዋ ከባቢ ንምልማዕ ብትግሃት እናሰርሐት ከምትርከብ ገሊፀን።

ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2030 ኩለመዳይ ተበፃሕነት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምዕዋት ብብርኪ ሃገር መደብ ሓንፂፃ እናሰርሐት ከምዝኾነት እውን ኣብሪሀን፡፡

ቤጂንግ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ለውጢ ንብረት ኣየርን ብኽለት ከባቢን ንምፅዋር ዘለዋ ቆራፅነት እውን ንኢደን።

ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ፈጠራ ብምጥቃም ዘጋጥሙ ማሕለኻታት ንምፅዋር፥ ቴክኖሎጂታትን ፅቡቓት ልምዲታት ንኽቕበላ ሓገዝን ምሕዝነትን ቻይና ወሳኒ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ቀዳማይ ሚኒትር ቻይና ሊ ኬ ኪያንግ ብግደኦም፥ መንግስቲ ቻይና ልዑል ፅሬት ንዘለዎ ልምዓትን ለውጢ ንብረት ኣየርን ንምፅር ልዑል ትኹረት ከምዝህብ ተዛሪቦም።

ልምዓትን ሓምለዋይ ትራንስፎርሜሽን ንምርግጋፅ ሃገራት ዓለም ኢድ ንኢድ ተተሓሒዘን ለውጢን ምምሕያሽን ንምምፃእ ተቐራሪበን ክሰርሓ ይግባእ ምባሎም ካብ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.