Fana: At a Speed of Life!

ቻይና፥ ሩሲያን ዩክሬንን ጎንፂ ካብ ዘበኣእስ ተግባር ተዓቂበን ወጥሪ ንኸኽድኣ ኣተሓሳሲባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና፥ ሩሲያን ዩክሬንን ጎንፂ ካብ ዘበኣእስ ተግባር ተዓቂበን ወጥሪ ንኸኽድኣ ኣተሓሳሲባ።

ቻይና ኣብ ዘውፀአቶ መግለፂ፥ ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ዝሳተፉ ኣካላት ኩሎም ካብ ዘበኣእሱ ተግባራት ንኽቀቡ ፃውዒት ኣቕሪባ።

ቅድም ክብል ቀዋሚ ተወካሊ ቻይና ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዣንግ ጁን ኣብ መበል 76 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዝገለፁዎ፥ “ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ንባዕሎም ብምቁፅፃር ወጥሪ ካብ ዘበኣእሱ ስጉምቲታት ካብ ምውሳድ ክቑጠቡ ኣለዎም” ክብሉ ተዛሪቦም።

ብኻሊእ መዳይ ዩክሬን ምስ ሩሲያ ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ምቁራፃ ኣፍሊጣ ኣላ።

ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ቅድሚ ሰዓታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ሃገሮም ምስ ሩሲያ ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከምዘቋፀት ምግላፆም ሲጂቲኤን ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.