ቻርልስ ንዴማ ባህሪ ኣብ ጎንፂ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ዓበይቲ ጥሕሰታት ዝምጥን መፍትሒ ንምቕራብ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ንኢዶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውሕመ ምክትል ተፀዋዒ ቤት ፅሕፈት ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ቻርልስ ንዴማ ባህሪ ኣብ ጎንፂ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ዓበይቲ ጥሕሰታት ዝምጥን መፍትሒ ንምቕራብ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ንኢዶም።
ፆተ መሰረት ገይሮም ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት ንምፅራይ ንዝተዋፈረ ላዕለዋይ ጉጅለ ምርመራ ገበን ዓለም ለኻዊ ደረጃ መሰረት ዝገበረ ስልጠና ምስ ዝተፈላለዩ ትካላትን ሃገራትን ውሕመ ብምትሕብባር ይስራሕ ኣሎ።
እቲ ስልጠና ብቐንዱ ተሓታትነት ገበን መሰረት ዝገበረ ንክኸውን ምርመራ ዝካየደሎም ቴክኒካት ከምኡውን ምስ ፆታዊ መጥቃዕቲ ብዝተዛመደ ግዳያት መጥቃዕቲን መሰኻኽር ሕጊን፣ ደገፋት ስነ ልቦና፣ ሕክምናን ናውቲን ካብ ማሕበረሰብን መንግስቲን ዝርከቡ ኣሰራርሓታት አንታይነት ከምዝሽፍን ተገሊፁ።
ሚኒስትር ዴኤታ ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ሚኒስቴር ፍትሒ ኣይተ ፍቃዱ ፀጋ፥ ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታት ናይ ምሕላው፣ ፆታዊ መጥቃዕቲታት ደው ናይ ምባል፣ እንትፍፀሙ እውን መርሚርካ ናይ ምቕፃዕ ሓላፍነት ናይ መነግስቲ ኢዩ ኢሎም።
ቻርልስ ንዴማ ብግደኦም፥ ባህሪ ኣብ ጎንፂ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ዓበይቲ ጥሕሰታት ዝምጥን መፍትሒ ንምቕራብ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ንኢዶም።