Fana: At a Speed of Life!

ቶማስ ቱሀል ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንምዃን ተስማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ጀርመናዊ ኣሰልጣኒ ቶማስ ቱሀል ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንምስልጣን ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሐ ተገሊፁ፡፡

ነበር ኣሰልጣኒ ጋንታታት ባየርን ሙኒክን ቼልሲ ቱሀል÷ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ብምዃን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2026 ዘፅነሖ ኩንትራት ንምፍራም ምስ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ እንግሊዝ ከምዝተስማዕምዑ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ስምምዕነት ስዒቡ ድማ ቱሀል ኣብ ታሪኽ ፈላማይ ጀርመናዊ ዜግነት ዘለዎ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ክኸውን ክኢሉ፡፡

ኣሰልጣኒ ቶማስ ቱሀል ንሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንፅዋዕ ዓለም 2026 ምስንዳእ ቀዳማይ ሓላፍነቶም ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.