Fana: At a Speed of Life!

ትፅቢት ዝግበረሉ 4ይ ውድድር ድምፂ ናይ ተዓወትቲ ተዓዋቲ ፋና ላምሮት ኣብ ታሪኹ ብልዑል መጠን ሽልማት ፅባሕ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትፅቢት ዝግበረሉ 4ይ ውድድር ድምፂ ናይ ተዓወትቲ ተዓዋቲ ፋና ላምሮት ኣብ ታሪኹ ብልዑል መጠን ሽልማት ፅባሕ ድሮ በዓል ልደት ብቐጥታ ፈነወ ከምዝጅመር ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣፍሊጡ።

እቲ ውድድር÷ ተዓወትቲ ፋና ላምሮት ምዕራፍ 13፣ ምዕራፍ 14ን ምዕራፍ 15ን ከምዘራኽብ ተገሊፁ፡፡

ፅባሕ ተወዳደርቲ ምድብ 8 ምስ ባንድ ዛየን ብክልተ ዙራት ስረሖም ከቕርቡ ኢዮም።

ኣብዚ ውድድር ቀዳማይ ብምዃን ንዝዛዝም ተወዳዳሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ሽልማት ኣሰናዲኡ።

ብሓፈሻ ንሽልማት ዝውዕል 3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ከምዘሰናደአ እውን ኣፍሊጡ፡፡

ፅባሕ ኣብ ዝጅመር ውድድር÷ ተመልከትቲ ካብ ሰዓት 6:00 ጀሚሮም ብፋና ቴሌቪዥን፣ ኤፍም ኤም 98 ነጥቢ 1ን ብዲጂታል ሚዲያ ፋና ብሮድካስቲንግን ብቐጥታ ፈነወ ክከታተሉ ተጋቢዞም፡፡

ተመልከትቲ ብሓፂር መስመር ስልኪ 8222 ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ ብምልኣኽ ብንቕሓት ንኽሳተፉ ተሓቲቶም፡፡

ብለምለም ዮሃንስ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.