Fana: At a Speed of Life!

ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስን ኢትዮጵያ ቡናን ዝቕፅል ቀዳማ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ መበል 12 ሰሙን ተስተኻኻሊ መርሃ ግብሪ  ፀወታ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስን ኢትዮጵያ ቡናን ዝቕፅል ቀዳም ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ክካየድ ኢዩ።

ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ 2015 ዓ.ም÷ ካብ ዝተቛረፀሉ መበል 12 ሰሙን ተስተኻኻሊ ፀወታ ብሃንቀውታ ትፅቢት ዝግበረሉ ሸገር ደርቢ ቀዳም 4 ለካቲት 2015 ዓ.ም ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 11 ጀሚሩ ከምዝካየድ ተገሊፁ፡፡

ማሕበር ኣክሲዮን ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ መበል 14ን 19 ሰሙን ከምኡ እውን ክልተ ተስተኻኸልቲ መርሃ ግብሪ ፀወታታት÷ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ንምክያድ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ተስማዕሚዑ ከምዝነበረ ተሓቢሩ፡፡

ይኹን እምበር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ቀዳም 27 ጥሪ 2015 ዓ.ም ዝካየዱ ውድድራት ብመሰረት መርሃ ግብሩ ከካይድ ከምዘይከኣለ ካብ ኣክሲዮን ማሕበር ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ፀወትኡ ንምክያድ ከምዝወሰነ ገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.