Fana: At a Speed of Life!

ትግራይ ናብ ዘሓሸ ምዕራፍ ንምስግጋር ዓቕምታት ከየንጠባጠብና ክንጥቀመሎም ይግባእ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዘፅደቖም ናይ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ መደባትን ኣንፈታትን መሰረት ዝገበረ ክልላዊ መድረኽ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ መላእ ኣመራርሓ ወረዳታትን ከተማታትን እቲ ክልል ይሳተፉ ኣለዉ።

ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ሕውየት ትግራይ ንምርግጋፅ ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ንምንፃር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ስራሕ ከምዘሎ ኣብቲ መድረኽ ገሊፆም።

ኩሉ ኣመራርሓ ቀፀልቲ ዕማማት ሕውየት ትግራይ ዘጣጥሑ ዕማማት ብምትላም ብዝተዋደደ መገዲ ምስራሕ ትፅቢት ከምዝግበረሉ ድማ ሓቢሮም።

ትግራይ በቲ ዝተኻየደ ኲናት ኩሉ ነገራ ምስኣና ዝገለፁ  ኣይተ ጌታቸው፥  እንተኾነ ግና ኣብ ሓፂር እዋን ብደቃ ናብ ዘሓሸ ምዕራፍ ክትሰጋገር  ኢያ ኢሎም።

ነዚ ንምግሃድ ድማ ዓቕምታት ከየንጠባጠብና ክንጥቀመሎም ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም።

ብሰንኪ እቲ ዝተኻየደ ኵናት ህዝቢ ንቡር ናብራ ሓሪምዎ ብሚልየናት ዝቑፀር ህዝቢ ተፀባይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኸውን ተገዲዱ ምህላው ብምግላፅ፥ ነቶም ፀገማት ንምፍታሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዕቱብነት ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።

ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ሰራዊት ትግራይ ከበድቲ ዕጥቅታቱ ምፍትሑ ኣብቲ መድረኽ ገሊፆም።

እቲ ሰራዊት  ስልጠናታት ብምውሳድ ናብ ማሕበረሰቡ ተሓዊሱ ዳግም ንምጥያሽ ዘኽእሎ ገንዘብ ንክርከብን ናብ ንቡር ናብርኡ ንክምለስን ምስ ሃገራት ምዕራብ ቀፀልቲ ልዝባት ይካየድ ምህላው ኣፍሊጦም ክብል ኤምሓት ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.