Fana: At a Speed of Life!

ትዴፓ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገር ዝጀመሮ ኲናት ኮኒኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገር ዝጀመሮ ኲናት ኮኒኑ።

እቲ ፓርቲ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቡ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተቐባልነት ዘይብሎም ቅድመ ኩነታት ብምድርዳር ኣማራፂ ሰላም ከይዕወት ከምገበረ ኣልዒሉ፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ፀረ ሰላም ከምዝኾነን ንህዝቢ ዘይግደስን ከምኾነ፣ ዘራፊን ራዕዳዊን ምዃኑ መላእ ዓለም ከምዝተገንዘበ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

እቲ ኲናት ምስጀመረ ዝፈፀሞ ልዕሊ 570 ሺሕ ሊትሮ ስርቂ ነዳዲ፥ ፀረ ህዝቢ ከምዝኾ ብተግባር ዘርአየሉ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ።

ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገርን ዝጀመሮ ኲናት ዝኾነነ ትዴፓ፥ በቲ ኲናት ዝበፅሕ ኩሉ ጥፍኣት ተሓታቲ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሁ።

ፓርቲው መንግስት የሀገርንና የህዝብን ደህንነት ለማረጋገጥ የሚወስደውን እርምጃ እንደሚደግፍ ገልጾ÷ ሰላምን ለማረጋገጥ የሚጠበቅበትን እንደሚወጣም አረጋግጧል

መንግስቲ ድሕንነት ሃገርን ህዝቢን ንምርግጋፅ ዝወስዶ ስጉምቲ ከምዝድግፍ ዝገለፀ እቲ ፓርቲ፥ ሰላም ንምርግጋፅ ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ከምዝዋፃእ እውን ኣረጋጊፁ።

መላእ ኢትዮጵያውያን ኣብቲ ድሕንነት ሃገርን ህዝቢን ናይ ምርግጋፅ ስጉምቲ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ንኽስለፍ ፃውዒት ምቕራቡ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ንኽዕጠቕ ዝተገደደን ንድሌት ስልጣንን ረብሓን ውልቀሰባት እናሃለቐ ዝርከብ መንእሰይ እውን ብዝተመቸዎ መገዲ ኣፈሙዙ ናብ ጨቆንቲ ኣመራርሓታት ህወሓት ከዝውር ወይ እውን ብሰላም ኢዱ ንሰራዊት ምክልኻል ንኽህብ ትዴፓ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

እዋናዊን ዝተማለአን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.